ሚኒስተር ፍትሒ ወ/ሮ ፈውዝያ ሃሽም፡ ኣብ ዞባ ደቡብ፣ ካብ 232 ምምሕዳር ከባቢታት ምስ እተረቝሑ ኣስታት 1,160 ዓበይቲ ዓድን ሽማግለ ዕርቅን ብዕለት 24ን 26ን መስከረም ኣብ ከተማታት መንደፈራን ደቀምሓረን፣ ብዕለት 01 ጥቅምቲ ከኣ ኣብ ድባርዋ ርክብ ኣካዪዳ።
ኣብቲ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብተኣብ ተስፋጼን ዝነበረሉ ርክብ፣ ሚኒስተር ፈውዝያ፡ ንኽብርታትና ዘይውክሉ ተርእዮታት ምግታእን ብብቕዓት ምቅላሶምን ሓባራዊ ዕማም ኵሉ ክፋል ሕብረተሰብ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ምቛም ዓረቕቲ ሽማግለ ንጡፍ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ኣብ ምድንፋዕ፣ ቀጻልነት ክብርታትናን መበቈላዊ ኣገባባትናን ኣብ ምውሓስን ዘላቒ ሰላምን ስኒትን ኣብ ምርግጋጽን ኣገዳሲ ተራ ከም ዘለዎ ገሊጻ።