ሚኒስተር ፍትሒ ወ/ሮ ፈውዝያ ሃሽም፣ ኣብ ምጅማር ትግባረ ስራሕ ምፍታሕ ክርክራት ዘተኮረ ርክብ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣካይዳ

ሚኒስተር ፍትሒ ወ/ሮ ፈውዝያ ሃሽም፣ ኣብ ምጅማር ትግባረ ስራሕ ምፍታሕ ክርክራት ዘተኮረ ርክብ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣካይዳ

ሚኒስተር ፍትሒ ወ/ሮ ፈውዝያ ሃሽም፡ ኣብ ዞባ ደቡብ፣ ካብ 232 ምምሕዳር ከባቢታት ምስ እተረቝሑ ኣስታት 1,160 ዓበይቲ ዓድን ሽማግለ ዕርቅን ብዕለት 24ን 26ን መስከረም ኣብ ከተማታት መንደፈራን ደቀምሓረን፣ ብዕለት 01 ጥቅምቲ ከኣ ኣብ ድባርዋ ርክብ ኣካዪዳ።
ኣብቲ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብተኣብ ተስፋጼን ዝነበረሉ ርክብ፣ ሚኒስተር ፈውዝያ፡ ንኽብርታትና ዘይውክሉ ተርእዮታት ምግታእን ብብቕዓት ምቅላሶምን ሓባራዊ ዕማም ኵሉ ክፋል ሕብረተሰብ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ምቛም ዓረቕቲ ሽማግለ ንጡፍ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ኣብ ምድንፋዕ፣ ቀጻልነት ክብርታትናን መበቈላዊ ኣገባባትናን ኣብ ምውሓስን ዘላቒ ሰላምን ስኒትን ኣብ ምርግጋጽን ኣገዳሲ ተራ ከም ዘለዎ ገሊጻ።
ብፍላይ ንኽብርን ኣገዳሲ ማሕበራዊ ስፍራን ስድራቤት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ስድራቤታዊ ጕዳያት ናብ ኣብያተ-ፍርዲ ቅድሚ ምቕራቦም ብዕርቂ ከም ድቅሱ ዝገብር ኣሰራርሓ ይተኣታቶ ምህላዎም ዝሓበረት ሚኒስተር ፈውዝያ፣ እቲ መስርሕ ክንዮ ምፍታሕ ውልቀ-ጕዳያት ንሱር ናይቶም ፍልልያት ምሒኻ፤ ኣብ መንጎ ሰብ ነገር ልባዊ ዕርቂ ብምውራድ፣ ንዅሉ ወገን ብዘዕግብ መገዲ ነቲ ፍልልይ ሓንሳእን ንሓዋሩን ምዕራፍ ዘካተተ ምዃኑ ኣብሪሃ።
ኣስዒባ ሚኒስተር ፈውዝያ፣ መሰረታዊ ዕላማ ዕርቂ፣ ኣብቲ ጕዳይ ሰዓርን ተሰዓርን ምፍላይ ዘይኰነስ ኣብ ስርዓት ኣነባብራ ሕብረተሰብ መሰረት ብምግባር ንፍልልያት ብሰላም ምዕራፍ ብምዃኑ ብዝምኽኻር፤ እዞም ተረቚሖም ዘለዉ ሽማግለን ዓበይቲ ዓድን፣ ካብ ቀዳሞት ንዝወረስዎ ልቦናን መበቈላዊ ፍልጠትን ተጠቂሞም ሰላምን ስኒትን ኣብ ምዕዋት እጃሞም ከበርክቱ ተላብያ።  
ብተወሳኺ፣ ኣብ ካልኦት ዞባታት’ውን ተመሳሳሊ ርክብ ክካየድ ምዃኑ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተሓቢሩ።

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *